መቐለ —
መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ዝትግበር ኣዋጅ፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንዝተኣወጀ ኩናት ንምምካት ዝዓለመ እዩ ኢሉ ።
ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ ብኮማንድ ፖስት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዝትግበር’ውን እቲ መምርሒ ይሕብር።
እቲ መግለጺ"መንግስቲ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ስሩዕ ሕግታት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ልኡላዊ ግዝኣትናን ንዘጋጠመ ወራር ኮነ ሓደጋ ህልውናን ድሕንነትን ክሕሉን ክቆፃፀርን ከቢድ ብምዃኑ እዮ" ይብል ።
እቲ ድንጋገ ህፁፅ እዋን "ገበን ኣንፃር ህልውናን ድሕንነት ህዝብን ወይ ልኡላውነትን ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፣ መንግስቲ፣ ውድብ ፖለቲካ ትግራይ፣ መንግስታዊ ወይ ውልቀ ትካል ገበን ራዕዲ፣ ስለላ፣ምፍራስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ትግራይ፣ ዝተወደበ ገበን ክትራን ኮነ ካልእ፣ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ብዝኾነ ሰብ (ዜግነቱ ኮነ ዝመፀሉ ከባቢ ብዘየገድስ) ዝፍፀም ገበን ዘካትት ኮይኑ ተወሰኽቲ ዝርዝራት ገበን ዝምልከት ብኮማነድ ፖስት መኸተ መመርሒ ከምዝወጸሉ’ውን ይጠቅስ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።