ዋሽንግተን —
መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ንወርሒ መመላእታ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ፌደራል ዝአተወት ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ህዝቢ ናይተቓውሞ ሰልፊ የካይድ ምህላዉ ክገልፁ ከለዉ ናይታ ሃገር ቴለቪዥን ድማ ሰባት ስሩዕ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶም ከካይዱን ኮፍ ኢሎምን ብዘርእዩን ምስልታት ተዓጂቡ ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኮይኖም ብፌደራል መንግስቲ ዝተሾሙ ህዝቢ ሰላሙ ተመሊሱ'ዩ ኢሎም ።