መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ሓረስቶት ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኻኣሉን ይፅገሙ ከምዘለዉ ይገልጹ`ለዉ::
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ፍርያቶም፡ ብምኽንያት ንምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝወፀ ኣዋጅ ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ምህርቶም ተበላሽዩ ኣብ ግራቶም ከምዝተረፈ ገሊፆም::
ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ብወገኑ ሓረስቶት ዘፍረይዎ ናብ ዕዳጋ ብሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ሕጋውያን ነጋዶን ኣቢሉ ክቐርብ ይስራሕ ኣሎ::
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::