ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት: ስደተኛታት ኣብ ወፍሪ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ክጠቓለሉ ኣለዎም ይብል


ለበዳ ቫይረስኮረና ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም እዩ ። ብዙሓት ስደተኛታት 'ውን ሓሚሞም፣ካብ ስራሕ ተመዛቢሎም ወይ 'ውን ኣብ ዝበፅሑሎም ሃገራት እገዳ ተነቢርሎም ይርከቡ ።

ኣብ ዓለም ከባቢ 272 ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ይርከቡ። ካብዚኦም ከባቢ ፍርቂ ደቂኣንስትዮ እየን ። ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛ ዝበሃል ዝኾነ ይኹን ሰብ ምክንያት መሰደዲኡ ብዘየ ገድስ ካብ ትውልዲ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ዝኣተወ ማለት እዩ። መብዛሕትኦም ምንቅስቃሳት ስደት ግን ቀጠባዊ ለውጢ ንምርካብ ተባሂሎም ዝግበሩ እዮም ይብል።

ከም ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM)ህንዲ ልዕሊ 17 ሚልዮን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ብምሓዝ ካብ ዓለም ፈላመይቲ ይገብራ። ኣሜሪካ ድማ ንልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ብምትእንጋድ እታ ዝበዝሓ ስደተኛታት ዘዕቖበት ሃገር ምዃና ይገልፅ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


Recommended

XS
SM
MD
LG