ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከባቢ ለገደንቢ ብኩባንያ ሚድሮክ ዝካየድ ናይ ማዕድን ወርቂ ምውጻእ መስርሕ ዝለዓለ ብኽለት ከባቢን ኣብ ጥዕና ሰባትን ጥሪትን’ውን ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ ክብሉ ነበርቲን ኣብቲ ከባቢ መጽናዕቲ ዘካየዶ ሰብሞያን መራሕቲ ፖለቲካን ይገልጹ ኣለው።
እቲ ምውጻእ ማዕድን ብሚድሮክ ብዝተባህለ ትካል ዝካየድ ኮይኑ መዓቀኒ ሓለዋ ከባቢ ዝጎደሎን ግልጹነትን ተሓታትን ዘይብሉ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ወሲኮም የረድኡ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጉጂ ብፍላይ ከባቢ ለገደምቢ ስራሕ ምውጻእ ማዕድን ወርቂ ብኩባንያ ሚድሮክ ክካየድ ዝጸንሓ ኮይኑ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ግን ዝረኸብናዮ ረብሓ የብልናን ብኣንጻሩ ንከባቢ ይብክል ኣሎ፡ ኣብ ጥዕና ሰብን ጥሪት’ውን ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ ክብሉ ክቓወሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።